Ängelholms kommunvapen Ängelholms kommunvapen

Verktygsmeny

Hjälp

Sök på webbplatsen

Chatta med oss

Hej, vill du ha hjälp?



Chatten öppnas i nytt fönster i din webbläsare

Texten i chatten sparas och blir en allmän handling som vem som helst kan begära att få läsa.

Regler och villkor för chatten

ንኽትፈልጦ ጽቡቕ

ከምዚ ጌርካ ጐሓፍካ ትድርብዮ

እቶም ዝበዝሑ ንድርብዮም፡ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኤንገልሆልም ኵሉ ሰብ ንጐሓፉ ኣብ በቦትኡ ክጕሕፎ ኣለዎ።

ተመሊሱ ሓመድ ክኸውን ዝኽእል ጐሓፍ ኣብ ቡናዊ ከረጺት  ይድርበ።  ንኣብነት፦

  • መግቢ
  • መወልወሊ ወረቐት
  • ዳካ
  • ዕምባባታትን ኣታኽልትን

ተመሊሱ ሓመድ ክኸውን ዘይኽእል ጐሓፍ ኣብ ፕላስቲክ ከረጺት ይድርበ። ንኣብነት፦

  • ጨርቂ-ሽንቲን መኣንጐቲ ንጽህናን
  • ዓለባ
  • ዕንጨይቲ
  • ትምባኾን ጭራም ሽጋራን
  • ካይላን ዝበሰለ ካይላን

ወረቐት፣ ጋዜጣታትን መዓሸጊታት ናይ ጥርሙዝ፣ ታኒካ፣ ተሪር ፕላስቲክን ፈኵስ ፕላስቲክ በበይኖም ይጥርነፉን ይድርበዩን።

 

መገሻን ትራፊክን

ኣብ ኤንገልሆልም ናብ መደበር ባቡር ክትከደለን ትኽእል ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ካብኡ ንኣብነት ብባቡር ናብ ሀልሲንቦርይ፣ ማልመን ዮተቦርይን ጕዕዞኻ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብ ቫልሃል ፓርክ ትቕመጡ፡ ካብ መደበር ባቡር ባርኮክራ እውን ባቡር ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ’ቲ ካብ ብዙሕ ሓደ ናይ ክዳውንቲ ድኳን ዝርከቦ ናይ ኤንገልሆልም ማእከል ኣውቶቡስ ክትወስድ  ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ቤት ንባብ እውን  ኣሎ።

ኣብ እተን ኣውቶቡስ፡ ብናይ ባንክ ካርድ ወይ በቲ ናይ ስኮነትራፊክ ካርድ ”JoJo-kort” ጥራይ ኢኻ ክትከፍል ትኽእል። ብጥረ ገንዘብ፡ ናይ ሽወደን ክሮና ክትከፍል ኣይትኽእልን ኢኻ። jojo-ካርድ ካብ ኣብ ኤንገልሆልም መደበር ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ውሽጢ ባቡር፡ ቲኬት ክትገዝእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቅድሚ ናብ ባቡር ምድያብካ፡ ኣብ’ቲ መደበር ዘላ ኣውቶማት ትገዝእ።  ኣብኡ ብናይ ባንክ ካርድ ወይ በቲ ናይ ስኮነትራፊክ ”JoJo kort” ክትከፍል ትኽእል

ናይ ስኮነትራፊክ መርበብ ሓበሬታ www.skanetrafiken.se ናብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ቋንቋታት  ክስትርጎም ይኽእል እዩ፡ ሓደ ካብኣቶም ዓረብኛ።  ኣብዚ ግዝያዊ ሰሌዳ ግዜን ሓበሬታን  ኣሎ።

ባርዕ እንተ ጀሚሩ

ባርዕ ክጅምር  ከሎ ዘጠንቅቐካ ናይ ባርዕ መጠንቀቒ ክህልወካ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ።    ምናልባት ባርዕ እንተ ጀሚሩ ናብ 112  ደውል።
ይነድድ ስለዘሎ ናይ ግድን ክትወጽእ እንተ ደሊካ፡ ብዝተኻእለ ናብ ባይታ ገጽካ ደኒንካ ኪድ። ትኪ ንላዕሊ እዩ ዝዓርግ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሰባት ብሰንኪ ትኺ እዮም ዝሞቱ።  ክትወጽእ ከለኻ ብድሕሬኻ ነቲ መዓጹ ዕጸዎ፡ እቲ ሓዊ ብቐሊሉ  ንኸይላባዕ።
ይነድድ ስለዘሎ ናይ ግድን ክትወጽእ እንተ ደሊካ፡ ብዝተኻእለ ናብ ባይታ ገጽካ ደኒንካ ኪድ። ትኪ ንላዕሊ እዩ ዝዓርግ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሰባት ብሰንኪ ትኺ እዮም ዝሞቱ።  ክትወጽእ ከለኻ ብድሕሬኻ ነቲ መዓጹ ዕጸዎ፡ እቲ ሓዊ ብቐሊሉ  ንኸይላባዕ።
ኵሉኹም ስድራ፡ ቆልዑ እውን ከመይ ጌርኩም ከምትወጹን፡ ምስ ወጻእኩም ኣበይ ከምትራኸቡን(ትእከቡን) ክትፈልጡ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቅድሚ መሳልልን መዓጹን ክኽልክሉ ዝኽእሉ ኣቁሑት ከይህልዉ ኣስተብህል።
ባርዕ ከይጅምር ተኸላኸል፦

  • ክነዱ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ጥቓ እቶን  ኣይተንብር።
  • ዘይትጥቀመሎም ኤለክትሮናዊ መሳርሕታት፡ ነቲ ናይ አለክትሪክ ገመድ ካብ መሰኵዒ  ኣውጽኣዮ።
  • ክዳውንትን ሽጎማኖን ኣብ ናይ ገዛ መሞቒ ኣይተንቅጽ።
  • ዝተወልዐ ሽምዓ ኣብ ጥቓ ብቐሊሉ ክነድድ ዝኽእል ነገር ኣይተቐምጥ፡ ክትወጽእ ከለኻ ድማ  ኣጥፍኣዮ።
  • ኣብ ውሽጢ ገዛ ሽጋራ ኣይተትኽ።
  • ክርቢትን መወልዕን ቆልዑ ኣብ ዘይረኽብዎ ቦታ  ኣቐምጦ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሽወደን

ኣብ ናይ ኢንተርኔት ገጽ www.informationsverige.seብዛዕባ እዚ ሕብረተሰብን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ቀጻሊ ሓድሽ ሂወትካ ኣብ ሽወደን ክሕግዘካ ዝኽእል ኣገዳኢ ጽሑፍ እዩ። እዚ ሓበሬታ ብእንግሊዝኛ፣ ሶማልኛ፣ ዓረብኝ፣ ዳሪ፣ ፋርስኛን ትግርኛን ክንበብ ይከኣል

Sidan uppdaterad den 25 maj 2016.

Allmän information

Om Ängelholm

Adress:
Östra vägen 2
262 80 Ängelholm

Telefon: 0431-870 00
E-post: This is an email address

Kundtjänst-öppettider:

Måndag - torsdag 07.30-17.00
Fredag 07.30-16.00

Kommunens kundtjänst

Jourtelefon och andra kontakter

Felanmälan

Lämna din synpunkt

Om webbplatsen

Ängelholms kommun på sociala medier

Facebook

Twitter

Instagram

Youtube

Visste du att Rögle BK från början var en bandyklubb?