Ängelholms kommunvapen Ängelholms kommunvapen

Verktygsmeny

Hjälp

Sök på webbplatsen

Chatta med oss

Hej, vill du ha hjälp?



Chatten öppnas i nytt fönster i din webbläsare

Texten i chatten sparas och blir en allmän handling som vem som helst kan begära att få läsa.

Regler och villkor för chatten

ሰበ ስልጣን

ሓገዝ – ካሳ ውሕስነትምስ ካሳ ውሕስነት ንሓገዝ ቆልዓ፣ ሓገዝ ክራይ ገዛ፣ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ፣ መናበዪ ደገፍ ወዘተ ከተመልክት እንተ ደሊካ  ርክብ ትገብር። ብዝተፈላለየ ቋንቋታት፡ ገለ ካብኡ ብዓረብኛ፣ ብሶማልኛን ብትግርኛን ናይ ተለፎን ኣኼብ ንምግባር ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ።


ርክብ
ፖሊስጋታን 4
262 79 ኤንገልሆልም
0771-52 45 24
www.forsakringskassan.se

ስራሕ – ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ

እዚ ኮሙን ንዓኻ ገዛ ናይ ምቕራብ ዝኾነ ግዴታ የብሉን። ስለዚ ናይ ሽወደን ቁጽሪ ውልቃዊ መንነት ምስ ተዋህበካ ብቑልጡፍ ናይ ገዛ ሪጋ ክትሕዝ ኣገዳሲ እዩ። ንነዊሕ ግዜ ክትነብረሉ ትኽእል ገዛ ድለ።
ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ብዝቐልጠፈ ሽወደንኛ ንኽትመሃር፣ ስራሕ ክትረክብን  ነብስኻ ክትናቢ ክትክእልን ጽቡቕ ኵነት ይህበካ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ፍቓድ መንበሪ ምስ ተዋህበካ ወይ ናብ ካልእ ኮሙን ምስ ኣተኻ ብዝቐልጠፈ ምሳኻ ናይ እግሪ መትከሊ ዝርርብ ክገብር ኣለዎ። ኣብ’ቲ ብሓደ ወይ ክልተ ዝርርብ ዝቖመ ናይ እግሪ ምትካል ዝርርብ ንስኻን እቲ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕን ንናይ መጻኢ ግዜ ኣብ ሽወደን መደብ ከተውጽኡ ክትጅምሩ ኢኹም። እቲ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ምእንቲ ኽትጅምር  ትሳተፎም ንጥፈታት ክገልጽ እዩ።

ርክብ
ኣርቢንጋታን 1 ኣብ ኤንገልሆልም 0771-60 00 00
www.arbetsformedlingen.se

ቍጽሪ ውልቃዊ መንነት – በዓል መዚ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት ምዝጉባት እዮም። እዚ ድማ ህዝባዊ ምዝገባ ተመዝጊቦም ይብሃል። ኣብ እቲ ህዝባዊ መዝገብ፡ ናይ ኵሉ ሰብ ስም፣ ኣድራሻ፣ ቁጽሪ ውልቃዊ መንነት፣ ስም ናይ’ቲ/ታ ሰብ በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት፣ ቆልዑን እቲ ሰብ ኣየናይ ዜግነት ከም ዘለዎን ኣሎ።

ኵሎም ኣብ ሽወደን ብቐዋሚ ዝቕመጡ፡ ሓደ ብዓሰርተ ኣሃዛት ዝቖመ ቁጽሪ ውልቃዊ መንነት ኣለዎም። ዓመትወርሒዕለት -
xxxx. (ዓመት፣ ወርሒ፣ ዕለት፣ ኣርባዕተ ውልቃዊ ኣሃዛት)።

ከም ሓድሽ መጻኢ፡ ድሕሪ መቐመጢ ፍቓድ ምውሳድካ ናብ በዓል መዚ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብምኻድ ኣብ ናይ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብን ቁጽሪ ውልቃዊ መንነት ምርካብን የድልየካ። ምሉኣት ስድራ እንተ ኴንኩም፡ ኩሉኹም ኣባላት ስድራ ናብ በዓል መዚ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ምኻድ  ከድልየኩም እዩ።
በዓል መዚ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ክፋል ናይ ኣብ ፖልስጋታን 4 ኣብ ኤንገልሆልም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት(servicekontoret) እዩ። ወረቐት መንነት ክትእዝዝ እንተ ኴንካ ኣብ ሄልሲንቦርይ ( ካርል ክሩክስ ጋታ 24) ዝርከብ በዓል መዚ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ክትከይድ  የድልየካ።

ርክብ
ፖሊስጋታን 4
262 79 ኤንገልሆልም
0771-567 567
www.skatteverket.se


በዓል መዚ ኢሚግረሽን

በዓል መዚ ኢሚግረሽን ምልክታ ናይ ኣብ ሽወደን ክቕመጡ ዝደልዩ ሰባት፣ ክበጽሑ ክመጹ ዝደልዩ፣ ካብ ጭቆና ዑቕባ ዝሓቱ ወይ ናይ ሽወደን ዜግነት ዝሓቱ ዝምርምር በዓል መዚ እዩ። በዓል መዚ ኢሚግረሽን ብመሰረት እቶም ፍልሰት ናብ ሽወደን ዝቆጻጸሩ ዓንቀጻት ንነፍስ ወከፍ ምልክታ ይምርምር። ናቶም ስራሕ፡ እቲ ጕዳይ ብመሰረት ዘለዉ ሕግታት ብስሩዕ ኣገባብ ከም ዝፍጸም ምርግጋጽ እዩ።

ከም’ውን በዓል መዚ ኢሚግረሽን ንብዙሓት ሰባት ካብ ጭቆናን ግርጭትን ዑቕባ ይህብ እዩ። ገለ ክፋል ናይ ስርሖም፡ ካብ ህውከት ዝዓብሎሎ ቦታታት ናብዚ ዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ምቕባልን ናይ ዑቕባ መሰሎም ምሕላውን እዩ። ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት UNHCR ብምትሕብባር ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ስደተኛታት፡ ናብ ሓደ ሓድሽ ሂወት ኣብ ሽወደን ይሕግዝዎም።

መብዛሕትኦም ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ሰባት ምስ ግዜ ናይ ሽወደን ዜጋታት ክኾኑ ይደልዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ምስ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ኢኻ ርክብ ትገብር። ዓመታዊ ብዙሓት ሰባት ናይ ሽወደን ዜግነት ይወሃቦም። እዚ ዜግነት ብዙሕ መሰላት ይህብ እዩ፡ ንኣብነት መሰል ምርጫ ንባይቶ ሃገር

ርክብ
ሶደርጋታን 39
252 25 ሄልሲንቦርግ
0771-23 52 35
www.migrationsverket.se

Sidan uppdaterad den 25 maj 2016.

Allmän information

Om Ängelholm

Adress:
Östra vägen 2
262 80 Ängelholm

Telefon: 0431-870 00
E-post: This is an email address

Kundtjänst-öppettider:

Sommarens öppettider:
Måndag-fredag 08.00-16.00

Kommunens kundtjänst

Jourtelefon och andra kontakter

Felanmälan

Lämna din synpunkt

Om webbplatsen

Ängelholms kommun på sociala medier

Facebook

Twitter

Instagram

Youtube

Visste du att Ängelholm är Skånes tredje Fairtrade City?